
05 ሰነ 2018 ዓም
ኣክሱም፣ ትግራይ፣ ኢትዮጵያ
ብራይት ፊዩቸር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕለት 05/10/2018 ዓ/ም ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምትሕብባር ብማስተርካርድ ፋውንዴሽን ዝሕገዝ የሴት ፕሮግራም (YESET Program) ዝባሃል ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ መንኣሰይ ደቂኣንስትዮን ኣካል ጉዱኣት ወገናትን ዝነጥፍ ናይ ገጠር ሕርሻ ልምዓት ፕሮጀክት ኣብ ወረዳ ላዕላይማይጨው ብዕሊ ምጅማሩ ክንሕብር ንፈቱ። እቲ ፕሮጀክት ን160 መንኣሰይ ደቂኣንስትዮን ኣካል ጉድኣትን ተረባሕቲ ዝገብር ኮይኑ ኣብ ወረዳ ላዕላይማይጨው ዝርከቡ ዝተፈላልዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን መዳርግቲ ኣካላት ዝተወከሉ 25 ተሳተፍቲ ተረኺቦም ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት እንታይነትን ንቐፃሊ ክህልወና ብዛዕባ ዝግባእ ምትሕብባርን ብሰፊሑ ዘተ ተኻይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ድማ ናይቲ ወረዳ ኣማሓዳሪ፣ ወረዳ ሓላፊ ቤትፅሕፈት ዳኣንት፣ ዘፈር ቁጠባ፣ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ቤትፅሕፈት ቴክኒክን ሞያን፣ ጉዳይ ደቂኣንስትዮ፣ ጉዳይ መንኣሰይ፣ ተወከልቲ ጉዱኣት ኣካል እቲ ወረዳን ዞባን፣ ማሕበር መንኣሰይን ደቂኣንስትዮን፣ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ፣ ልምዓት ገጠር፣ ኣማሓደርቲ ጣብያታትን ካልኦት ናይ ጣብያ ማሓውርን ተረኺቦም። ብመሰረት እቲ ዘተ ምልመላ እቶም ተረባሕቲ ደቂኣንስትዮን ኣካል ጉዱኣት መናእሰይን ምስተገበረ ኣብ ማሕበረስነልቦናዊ ድጋፍ፣ ስራሕ ዕድል ፈጠራ፣ ትልሚ ቢዝነስ ምድላው፣ ምሕደራ ፋይናንስ፣ ስልጠና እቶት መርከብቲ መንገድታት፣ ወዘተ ዘተኮሩ ሰፋሕቲ ስልጠናታት ንሓደ ሰሙን ክውሃቡ እዮም። ድሕሪ እቲ ስልጠና ድማ እቶም ኣብዚ ፕሮጀክት ዝተሓቖፉ 160 ተረባሕቲ ደቂኣንስትዮን ኣካል ጉዱኣት መንኣሰይን እቲ ወረዳን መበገሲ ዝኸውን ናይ ደርሁ፣ ጠለበጊዕን ቀለብ አንስሳን አዕደላ ክግበር እዩ። ጎኒንጎኒ እዞም ንጥፈታት ድማ ናይ ገንዘባዊ ልቓሕ ምምችቻውን ምትእስሳር ዕዳጋን ክካየድ እዩ። ብሓፈሻ ድማ እዞም ኣብዚ ፕሮጀክት ተሓቚፎም ዘለው ደቂኣንስትዮን ኣካል ጉዱኣት መንኣሰይን ጉቡእ ክትትልን ሞያዊ ድጋፍን እንዳተገበረሎም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መወዳእታ ናይ ምረቃ ስነ፟ስርዖአት ክካየድ እዩ። ኣብ መወዳእታ ነዚ ዕላዊ ምጅማር ፕሮጀክት ድጋፍ ዝገበሩን ዝተሳተፉን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ካብ ልቢ ክነመስግን ንፈቱ።
12 June 2026
Axum, Tigray, Ethiopia
Bright Future is excited to announce the successful completion of a one-day community mobilization and sensitization event for its Agri-business project in Laelay Maychew Woreda, Central Zone, Tigray, under the Mastercard Foundation YESET Program.
The project is implemented in partnership with the Tigray Development Association (TDA) and the Mastercard Foundation. The event brought together 25 key government and non-government stakeholders, including Wereda administration, TVET, BOWA, BOYA, Agriculture bureaus, Kebele leaders, the Small and Micro Enterprise Office, OPDs, youth groups, and community representatives.
The engagement focused on strengthening collaboration for the effective implementation of the “Agribusiness Enterprise Development to benefit 160 Young Women and Other Disadvantaged Youth,” aiming at expanding inclusive economic opportunities and sustainable livelihoods.
Bright Future extends sincere appreciation to the partner organizations and stakeholders for their commitment and active participation in supporting the empowerment of young women and disadvantaged groups in the economic participation of their community.




No responses yet